Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር አብርሃም በላይ በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር አብርሃም በላይ መበል 1 ሺሕን 442 በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብ መልእኽቶም፥ “በዓል ዒድ ኣል ፈጥር እንትነኽብር ሓድነትና ብዝበለፀ ነጠናኽረሉን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ ወገናት ንሕግዘሉን በዓል ክኸውን ይግባእ” ኢሎም።

እቲ ዓቢዪ ሃይማኖታዊ በዓል ኣብ ዝኽበረሉ እዋን ዝተፀገመ ብምሕጋዝን ብምትሕስሳብን ክኸውን ከምዝግባእ ዶክተር ኣብርሃም ኣብ መልእኽቶም ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.