Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ምስ ንጉስ ስዑድ ዓረብ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ዶክትር ሙላቱ ተሾመ ምስ ንጉስ ስዑድ ዓረብ ሰልማን ቢን ኣብዱል ዓዚዝ ኣል ሳዑድ ተዛትዮም።

ዶክተር ሙላቱ ምስ ንጉስ ስዑድ ዓረብን ላዓለዋይ ሓላዊ ክልቲአን ቅዱሳት መሳጊድ ንጉስ ሰልማን ቢን ኣብዱል ዓዚዝ ኣል ሳዑድ ኣብ ከተማ ሪያድ ቤተ ምንግስቲ ኣል ያማማ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያትን ኣብ ሓበራዎ ቐጠናዊ ዛዕባታትን ዘድሃበ ዘተ ኣካይዶም።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ድማ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድ ኣብዱልዓዚዝ ኣሕመድ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ፈይሰል ቢን ፋርሃን ቢን ኣብዱላህ፣ ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ዶክተር ሙሳዓድ ቢን ሙሓመድ ኣል ኣይባንን  ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ኣፍሪካ ኣሕመድ ቃጣንን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ብነበር ፕዚዳንት ፌዴሪኢ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነበሮ ፃንሒት፥ ምሰ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ፈይሰል ቢን ፋርሃን ቢን ኣብዱላህ ምዝታዩ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.