Fana: At a Speed of Life!

ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ኦሪገን ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብ5 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ወርቂ ብምርካብ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ኦሪገን ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብ5 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ወርቂ ብምርካብ ተዓዊታ።

ብመሰረት እዚ፥ ጉዳፍ ፀጋይ ንሃገራ ራብዓይ ሜዳሊያ ወርቂ ክተመዝግብ ክኢላ።

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ነቲ ውድድር ብ14 ደቒቕ 46 ሰከንድን 29 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ዝተዓወተት እንትትከውን፥ ዳዊት ስዩም ብ14 ደቒቕ 47 ሰከንድን 36 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ሳልሰይቲ ወፂኣ።

ፅቡቕ ናይ ጉያ ጉጅለ ስራሕ እናሰርሐት ዝነበረት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብ14 ደቒቕ 47 ሰከንድን 98 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ሓምሸይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ክሳብ ሕዚ ኣርባዕተ ወርቂ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብድምር 10 ሜዳሊያታት ብምርካብ ካብ ዓለም ካልአይቲ ኮይና ትቕፅል ኣላ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.