Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ህወሓት ብሰራዊት ምክልኻል ዝውሰደሉ ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ክፃወሮ ከምዘይከኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ብሰራዊት ምክልኻል ዝውሰደሉ ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ክፃወሮ ከምዘይከኣለ ሓላፊ ዋና መምርሒ ወፍሪ ሕብረት ምክልኃል ብርጋዴር ጄነራል ተስፋየ ኣያሌው ገሊፆም።

እቶም ጀነራል መኮንን ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ምጥቃዕ እቲ ሰራዊት ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት እዋናዊ ቁመና ሰራዊት ምክልኻል ብዝተሰሓሓተ መገዲ ገምጊሙ ብናይ ቀደም ናይ በረኻ ስልሒት ውግእ ብምእታዉ ንውርደት ተቓሊዑ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ፥ ፍሉይ ሓይሊ ኢሉ ዝፅውዖ ዕጡቕን ምልሻን ብቕድሚት ኣሰሊፉ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝወፅኡ ከሓድቲ ብድሕሪት ብምስላፍ ብግዲ ክዋግኡ እናገበረ ከምዝኾነ እውን እቶም ብርጋዴር ጄነራል ተዛሪቦም።

ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ካብ ምንዓቑ ዝተበገሰ መሰረተ ልምዓታት እናዕነወ ከምዝርከብ ዝገለፁ ብ/ጄነራል ተስፋየ ኣያሌው፥ እዚ ድማ መርኣያ ስዕረቱ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብ ሕዚ ንደሓር ዘለዎ ብሕታዊ መማረፂ ተዋጊኡ ምሟት ወይ ድማ ኢድ ምሃብ ኢዩ ምባሎም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.