Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህፃናት ትግራይ ብሓሽሽ እናዐወነ ናብ ኲናት እናዳጎኖም እዩ- ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህፃናት ትግራይ ናብ ኲናትን ግብረተኽፍኣትን ምስላፍ ሎሚ ዝጀመሮ ዘይኮነስ ቐደም ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ ከምዝኾነ ኣቦወንበር ፓርቲ ዲሞክቲክ ትግራይን ዋና ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እቶም ህፃውንቲ ናብ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት እናተፀምበሩ ዘለዉ ተረዲእዎም፣ እከይ ተግባሩ ተገንዚቦም ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ተስፍኦም ስለዝፀለመተ እዩ፤ብግጉይ ፕሮፖጋንዳን ብደርፍን ልቦም ስለዘሸፈቶ፤ሓሽሽ እናሃበ ስለዘዐወኖም እዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ዶክተር ኣረጋዊ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዘፍለጥዎ፥ ራዕዳዊ ህወሓት ህፃናት ትግራይ ናብ ኲናት ምስላፍ ካብ ቐደም ጀሚሩ ይጥቀመሉ ዝነበረ እከይ ተግባሩ እዩ።

በዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ህፃውንቲ ኣብ ዘይዕድሚኦም ናብ ኲናት ክዳጎኑ ገይሩ እዮ።

ህዝብን ጁንታን ዋላ ሓንቲ ርክብ ከምዘይብሎምን፤ንውልቃዊ ጥቕሞም እናተጓየዩ ከምዝርከቡን ኹሉ ኢትዮጵያዊ ብዝግባእ ይፈልጦ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፤እዞም ህፃውንቲ ‘ውን ብዝተፈላለዩ መገድታት ልዕሊ ዓቕሞም ኣፅዋር ኣሸኪሞም ዕድምኦም ናብ ዘይፈቕዶ ኲናት ንኽኣትዉ ምግባሩ ዓለምለኻዊ ገበን ከምዝኾነ ጠቍሞም።

ሎሚ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ብዛዕባ መሰል ህፃውንቲ የእትወና እዩ ዝብሉ ኣካላት፤ሪኦም ከምዘይረኣዩ ሱቕ ምባሎም ዘመላኸቱ ዶክተር ኣረጋዊ፤ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ጉጅለ በዚ ኢሰብኣዊ ስርሑ ካብ ተሓታትነት ከምዘየምልጥ ኣመልኪቶም ክብል ኢፕድ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.