Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ሻምፒዮና ፕሜርሊግ እንግሊዝ ማዃና ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ተዓዋቲት ፅዋዕ ፕሜርሊግ እንግሊዝ ማዃና ኣረጋጊፃ።

ጋንታ ኣንፊልድ ሊቨርፑል፥ ትማሊ ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ብቼልሲ ምስዓራ ስዒቡ ኢያ ሻምፒዮና ኮይና ዘላ።

ተፃወትቲን ደገፍቲን እታ ጋንታ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዝረኸቡዎ ዓወት እናኽበሩ ይርከቡ።

ኣሰልጣኒ የርገን ክሎፕ ኩነታት እንትመዓራረ ምስ ደገፍቶም ብምዃን እቲ ዓወት ንምኽባር ከምዝሓሰቡ ተዛሪቦም።

ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገበሩታት ፕሪሜር ሊግ እንግሊዝ ጋንታ ኣርሰናል ናብ ስታዲየም ቅድስት ማሪያም ተጓዒዛ ንጋንታ ሳውዝ ሃምፕተን 2 ን 0 ብምስዓር ብዓወት ተመሊሳ።

በርንሌይ ንዋትፎርድ 1 ን 0 እንትትስዕር፥ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ማንቸስተር ሲቲን ቼልሲን ድማ ብዓወት ጋንታ ቼልሲ ተዛዚሙ።

ጋንታ ቼልሲ 2 ን 1 ብምስዓር ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዝህልዋ ተሳትፎ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ንምዕዋት ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ቀፂላ ኣላ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.