Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ባርሴሎና ንኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ብምስንባት ንኪኬ ሴቲዬን ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ብምግባር ሾይማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስፔናዊት ውርይቲ ጋንታ ባርሴሎና ንኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ብምስንባት ንነበር ኣሰልጣኒ ሪያል ቤቲስ ኪኬ ሴቲዬን ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ብምግባር ምሻማ ተገሊፁ።

ወዲ 55 ዓመት ኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ንጋንታ ባርሴሎና ኣብ ዝመርሑሉ እዋን እታ ጋንታ ክልተ ፅዋዕ ላሊጋ ስፔን ክተልዕልን ናይዚ ዓመት ውድድር ድማ ብኣፈላላይ ነጥቢ ነቲ ሊግ ብቀዳማይ ደረጃ ክትመርሕን ኣኽኢሎምዋ ኢዮም።

ይኹን እምበር ኣማራርሓታት ካታላናዊት ጋንታ ባርሴሎና እቶም ኣሰልጣኒ ናብ ውድድር ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ አውሮፓ ከብቅዑዋ ኣይከኣሉን ብዝብልን ብፅዕንቶ ደገፍቲን ከሰናብቱዎም ከምዝወሰኑ ኢዩ ዝተሓበረ።

ጋንታ ባርሴሎና፥ ወዲ 61 ዓመት ነበር ኣሰልጣኒ ጋንታ ሪያል ቤቲስ ኪኬ ሴቲዬን ንኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ብምትካእ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ገይራ ሾይማቶም ኣላ።

ኪኬ ሴቲዩን ከም ኣቆፃፅራ ኣወሮፓውያን ካብ 2005 ጀሚሮም ንጋንታ ሪያል ቤቲስ ኣብ ዘሰልጠኑሉ እዋን ዝዓበየ ዓወቶም ነታ ጋንታ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ኮፓ ዴልሬይ ከብፅሑዋ ዝኸኣሉሉ ኣጋጣሚ ጥራሕ ኢዩ

ንስፔናዊት ጋንታ ባርሴሎና ንምስልጣን ዝተሸሙ ኪኬ ሴቲዬን፥ ብሓፂር ምቅብባል ኩዕሾ (ቲኪታካ) ኣፀዋውታ ዝፍለጡ ኣሰልጣኒ ምዃኖም ይዝረበሎም።

እቶም ኣሰልጣኒ ምስታ ጋንታ ንክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝፀንሕ ውዕሊ ምፍፃሞም ተገሊፁ

ፍልፍል፦ www.bbc.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.