Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ኣብ ውድድር ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ ተሳታፊት ምዃና ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኢትዮጵያ ቡናን ኣዳማ ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ዝተኻየደ እቲ ፀወታ 1 ን 1 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ፡፡

ጋንታ ኣዳማ ከተማ በላይ ኣባይነህ ብዘመዝገባ ሽቶ እናመርሐት ዝፀንሐት እንትትከውን፥ ኣበበ ጥላሁን ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ነጥቢ ተማቒላ ንጅትወፅእ ኣኽኢሉዋ፡፡

ነቲ ውፅኢት ስዒቡ ድማ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና 41 ነጥቢ ብመሓዝ ኣብ ውድድር ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ ተሳታፊት ምዃና ከምዘረጋገፀት ሶከር ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.