Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ኩዕሾ እግሪ መከላከያ ናብ ፕሪሜርሊግ ምምላሳ ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ መከላከያ ናብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ምምላሳ ኣረጋጊፃ።

ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ምድብ “ሀ” እናተወዳደረት ትርከብ ጋንታ መከላከያ፥ ኣብ ዘበነ 2014 ዓ.ም ሪሜርሊግ ተሳትፎኣ ዘረጋገፀትሉ ውፅኢት ኣመዝጊባ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ምስ ጋንታ ደብረ ብርሃን ዝተፃወተት መከላከያ ብብሕታዊት ሽቶ ቴዎድሮስ ታፈሰ 1 ን 0 ክትስዕር ክኢላ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ሓደ ፀወታ እናተረፎ ዳግም ናብ ፕሪሜርሊግ ተመሊሳ፡፡

ጋንታ መከላከያ ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ምውራዳ ይዝከር፡፡

ጋንታ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ቅድም ክብል ናብቲ ሊግ ምምላሳ ኣረጋጊፃ ኢያ፡፡

ፍልፍል፦ሶከር ኢትዮጵያ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.