Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ወልዋሎ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ናብ ሜዳኣ ክትምለስ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ወልዋሎ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ናብ ሜዳኣ ክትምለስ ኢያ።

ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2010 ሕድሳቱ ብምጅማር ንዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ኣብ ፅገና ዝፀንሐ መይዳ ወልዋሎ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ ተገሊፁ።

እቲ ስታዲየም ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ሕድሳቱ ክጓተት እኳ እንተፀንሐ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ደረጅኡ ዝሓለወ ሳዕሪ ሓዊሱ ደገፍቲን ኮፍ ዝብልሉን መቐየሪ ማሊያ ተፃወትቲን ዘካተተ ሕድሳት ተገይሩሉ ኣሎ።

ባላታት ሓፂን ሸቶ(ጎል)ን መጉየዪ መምን እውን ይስረሐሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዘድሊ ሕድሳት ኩሉ ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብመሰረት እዚ እታ ጋንታ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ስታዲየም ትግራይ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ክተካይዶ ካብ ዝፀንሐት ፀወታታት ብምምላስ፥ ካልኣይ ምዕራፍ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳኣ ክተካይድ ኢዩ።

እቲ ስታዲየም ኣብ ቀረባ እዋን ብዓብዪ ኮሚቴ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዑደት ክግበረሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘለሎ እውን ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.