Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ፋሲል ከነማ ዓወት ብምምዝጋብ ናብ ሻምፒዮና ትገብሮ ጉዕዞ ኣጠናኺራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀዋታ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ፋሲል ከነማ ዓወት ብምምዝጋብ ናብ ሻምፒዮና ትገብሮ ጉዕዞ ኣጠናኺራ፡፡

እታ ጋንታ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየደቶ ፀወታ ንጋንታ ኣዳማ ከተማ ብምስዓር 2 ን1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡

ሙጂብ ቃሲምን በዛብህ መለዮን ሽቶታት ፋሲል ከነማ ኣመዝጊቦምወን፡፡

ብሕታዊት ሽቶ ኣዳማ ከተማ ድማ ሰይፈ ዛኪር ኣመዝጊቡዋ፡፡

ጋንታ ፋሲል ከነማ ብ20 ፀወታ 49 ነጥቢ ብመሓዝ ናብ ሻምፒዮና እናተቓረበት ትርከብ፡፡

ኢትዮጵያ ቡና ብ18 ፀወታ 33 ነጥቢ ብመሓዝ ካልአይቲ ኮይና ትስዕብ፡፡

ጋንታ ሃዲያ ሆሳእና ድማ ብ19 ፀወታ 32 ነጥቢ ሒዛ ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.