Fana: At a Speed of Life!

ግብፅን ሱዳንን ንሕብረት ኣፍሪካ ዝተውሃበ ሓላፍነት ዘናእስ ፈተነ ምግባረን ተቐባልነት ኣይብሉን-ኢንጂነር ስለሺ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፅን ሱዳንን ንሕብረት ኣፍሪካ ዝተውሃበ ሓላፍነት ዘናእስ ፈተነ ምግባረን ተቐባልነት ኣይብሉን ክብሉ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኪንሻሳ ብዛዕባ ዝተገበረ መድረኽ ዘተ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢን ሚኒስትራት ማይን ሰለስቲአን ሃገራት ብዝምልከት ኣበ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ካይሮን ካርቱምን ነቲ ድርድር ናይ ምጉታት ስትራተጂ ብምሓዘን ብዙሕ ጊዘ ከምዝባኸነ ተዛሪቦም።

ደቡብ አፍሪካ ካብ ተዓዛብነት ንክትወፅእ ዝቐረበ ሓሳብ እውን ከብሪ ሕብረት ኣፍሪካ ዘይምጥን ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ ካብ ትሕዝቶ ንከይዲ ትኹረት ናይ ምግባር ዝንባለ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ፥ እቲ ድርድር ብህፁፅ ንክዛዘም ማይ ኣባይ ምኽኒያታዊን ፍትሓዊን ብዝኾነ መገዲ ናይ ምጥቃም መሰላ ከምዘረደአት ገሊፆም።

ካብ ምትሕብባር ወፃእ ናይ ሓደ ወገን ተረባሕነት ናይ ምርግጋፅ ሓሳብ ምንም ዓይነት ቦታ ከምዘይብላ እውን  እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ከምዝካየድ ድማ ኣፍሊጦም።

ብወገን ሱዳይ ዝለዓሉ ዘለዉ ሓሳባት ምንም ዓይነት መሰረት ዘይብሉ ከመዝኾነ ኣብቲ ኣኼባ ብስፍሓት ምግላፆም ተዛሪቦም።

ንክዕዘባ ተባሂለን ዝተሓረያ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን እወንታዊ ግደአን ሓዊሱ ብተዓዛብነት ንክቕፅላ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ገሊፆም።

ብፋሲካው ታደሰ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.