Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ብራኸ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኢትዮጵያውያን ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወረቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብራኸ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኢትዮጵያውያን ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ፌዴሬኢ ሳህለወረቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት መበል ታሽዓይ ዓመት ምጅማር ህንፀት እቲ ግድብ ኣመልኪተን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ንዓመታት ኣብ ልዕሌና ቸቸ ክብል ዝፀንሐ ድኽነት ንምስባር ዓሊምና ተግባራዊ ዝገበርናዮ ተምሳሌት ቁጥዐና ዝኾነ ፕሮጀክት ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፥ ብራኸ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኢትዮጵያውያን ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

እቲ ግድብ፥ መንፈስ ዓድዋ ዳግማይ ንባዕሉ ዝሓደሰሉ ምልክት ሓድነትናን ፅንዓትናን ከምዝኾነ ጥርጥር የብልናን እውን ኢለን።

ኣባይ ዝመስል ንኹለን ሃገራት ተፋሰስ ዝኣከል ፀጋ እናሃለወና ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መንደራት ሃገርና ምስ ብርሃን ኤሌክትሪክ ኣይፋለጡን ዝበላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ድራሮም ብሃሰስ ዝበልዑ 65 ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ክሳብ ሐዚ ካብቲ ፀገም ኣይተላቐቑን ኢለን።

“ናትና ድሌት ነዚ ምቕያር ኢዩ፤ ስለዝኾነ ምስ ድኽነት ንመወዳታ ጊዜ ምፍታሕ የድሊ” ክብላ እውን ኣብ መልእኽተን ሓቢረን።

ኢትዮጵያውያን ንህዳሰ ግድብ ዝጀመርናዮ ኩለመዳይ ደገፍ ብምጥንኻር ዝኣተናዮ ቃል ጋህዲ ከምእንገብር ክነረጋግፅ ኣለና ድማ ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.