Fana: At a Speed of Life!

ጣሊያን፣ ቤልጂየምን ኔዘርላንድስን ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ናብ ውድድር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምሕላፈን ኣረጋጊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝሓለፋ ሃገራዊ ጋንታታት እናተፈለጣ ይመፅኣ ኣለዋ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት፥ ካብ ምድብ 1 ጣሊያን፣ ካብ ምድብ ክልተ ቤልጂም ከምኡ እውን ካብ ምድብ 3 ኔዘርላንድስ ናብ ውድድር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተፀምቢረን ኣለዋ፡፡

ጣሊያን ዘካየደቶም ክልተ ፀወታታት 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተፀምቢራ፡፡

ትማሊ ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት ድማ ካብ ምድብ 2 ቤልጂም ንዴንማርክ 2 ን 1 ብምስዓር ክትሓልፍ ክኢላ፡፡

ኣብ ምድብ ሰለስተ ምስ ኦስትሪያ ዝተፃወተት ኔዘርላንድስ ብሽቶታት ሜምፊስ ዲፓይን ደምፍራይስን 2 ን0 ብምስዓር ናብ ውድድር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝተፀምበረት ሃገራዊት ጋንታ ኢያ፡፡

ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝተገበረ ካሊእ ፀወታ ዩክሬን ንመቄዶንያ 2 ን 1 ስዒራ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.