Fana: At a Speed of Life!

ጥምቀት መግለፂ ህብረ ብሄራዊነት ኢዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጥምቀት መግለፂ ህብረ ብሄራዊነት ኢዩ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ምምሕዳራት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ንበዓል ከተራን ጥምቀትን ናይ አንቋዕ  ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ጥምቀት መግለፂ ህብረ ብሄራዊነት ኢዩ ኢለን።

እቲ በዓል እንትነኽብር ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብሩ ብምሕላው፣ ሀብረ ብሄራዊነቱ ብምጥንኻር፣ ንምዕባለ ዓውዲ ቱሪዝምን ህንፀት ሃገርን ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ብምጉልባት፣ ውቁብን ድሙቕን ብዝኾነ ኩነታት ክኸወን ከምዝግባእ ሓቢረን።

ከንቲባ ምምሕዳር ድሬዳዋ ከድር ጁሃር ብግደኦም፥ በዓል ጥምቀት ብቕርስነቱ ኣብ ዩኔስኮ ምምዝጋቡ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ሓበራዊ ክብሪ ኢዩ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.