Fana: At a Speed of Life!

ፀላኢ ሒዙዎም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ልዑል ዕንወት ኣብፂሑ ኢዩ – ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀላኢ ሒዙዎም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ልዑል ዕንወት ከምዘብፀሐ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ኣብ ልዕሊ ስነ-ኣእምሮ ማሕበረሰብ ፅንቶ ንምሕዳር ኮነ ኢሉን ተሊሙን ኣብ ትካላት እምነትን ቅዱሳት መፃሕፍቲን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተዛሪበን።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ እውን ዕንወት ፀላኢ ንምክልኻል እናሃደመ ዝርከብ ፀላኢ ብምልቀቃምን ሓበሬታ ብመሃብን ክተሓባበር ይግባእ ኢለን።

ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብምትሕልላፍ ሓበሬታ ዘመሓላልፉ ውልቀ ሰባት ሕጊ ብምኽባር ሃገር ንኸኽብሩ ሓቲተን።

እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ መግለፂአን ምስ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮ ሱዳን ኣመልኪተን እውን መብርሂ ሂበን።

ክልቲአን ሃገራት ንዘበናት ዝዘለቐ ምሕዝነት ከምዘለወን ብምሕባር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ግምት ዘየእተዉ ምንቅስቓሳት ንምካት እናተሰርሐ ከምዝኾ ኣብሪሀን።

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ወታደራት ሱዳን መጥቃዕቲ ፈፂማ ዝብል ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዝተጋውሐ ሓበሬታ ናይ ሕሶት ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣብሪሀን።

ርክብ ክልቲአን ሃገራ ንምብራዝ ዝጋዋሕ ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነ ኢየን ዝገለፃ።

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.