Fana: At a Speed of Life!

ፀላእቲ ሃገር ንምስዓር ኢትዮጵያውያን ብሓባር ጠጠው ክብሉ ይግባእ – ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀላእቲ ሃገር ንምስዓር ኢትዮጵያውያን ብሓባር ጠጠው ክብሉ ከምዝግባእ ፕሬዚዳነንት ማሕበር ጀጋኑ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን።

ኢትዮጵያ ቅድሚ 80 ዓመት ካብ ዝገጠማ ናይወፃኢ ወረራ ዝመሳሰል ፀገም እናጋጠማ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ዝቕፅል ረቡዕ ዝኽበር መበል 80 ዓመት በዓል ዓወት ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ በዓል፥ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ሓርበኛታትን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣራት ኪሎ ከምዝኽበር ኣብሪሆም።

ፀላእቲ ንኢትዮጵያ ብዘርኢን ሃይማኖትን ክኸፋፍሉዋ እናጎየዩን ብሓይሊ ከፈራርሑ እናፈተኑ ይርከቡ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ፀላእቲ ህዝቢን መራሕቲን ከይተኣማመኑ ሽርሒ እናሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ኣብ መግለፂኦም ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ብውሽጢን ብደገን ፀላእቲ ዋላ እንተተሓባበሩ እምበር ከቑስሉዋ ይኽእሉ ይኾኑ እምበር ኣይስዕሩዋን ኢሎም፡፡

ፍልፍል፦ ኢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.