Fana: At a Speed of Life!

ፅሬት ዘይብሎምን መድሓትነቶም ዘይተረጋገፀን ፍርያታት እናሸጡ ዝተረኸቡ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ኣብትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ባዛራት ፅሬት ዘይብሎምን መድሓትነቶም ዘይተረጋገፀን ፍርያታት መድሓኒት እናሸጡ ዝተረኸቡ ሸውዓተ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ውልቀ ሰባት ኣብትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢን መድሓኒትን ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ብምትሕብባር፥ እቶም ዝተትሓዙ ፍርያታት መድሓኒት ፀጉሪ ንምሕካምን ንማሳጅን ይሕግዙ ኢዮም ብምባል እናሸጡ ስለዝተረኸቡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ከምዝኸኣሉ ተገሊፁ።

ብቤት ዕዮ እቲ በዓል መዚ ዘይተመዝገቡ፣ ፅሬቶምን ድሕንነቶምን ዘይተረጋገፁ ስለዝኾኑ ሕብረተሰብ ክጥቀመሎም ከምዘይግባእ እውን ተሓቢሩ።

እቲ በዓል መዚ ብዝገበሮ ሃንደበታዊ ቁፅፅር ዝሓዞምን ሕብረተሰብ ከይጥቀሞም ብምባል ዘተሓሳሰቦም ፍርያታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

ካስቱሪር ሄርባል ሄር ( KASTURIR HERBALHAIR )

ንላንባሪ ካስቱራ ሄርባል ( NEELAMBARI KASTURA HERBAL )

ንላምባሪ ሄርባል ኦይል ( NEELAMBARI, HERBAL OIL )

ካስቱሪ ሄርባል ሄር ኦይል ( KASTURI HERBAL HAIR OIL)

ንላምባሪ ሄርባል ( NEELAMBARI, HERBAL)

ኤች ኤች ኣይ ኤን ኬ ኤን ኣይ ( HHINKNI)

ሳንጂቪን ሄርባል ኣዩስቸር ( SNNSEV,N HYREBALE Ayu)

ንላምባሪ ሄርባል ማሳጅ ( NEELAMBARI,HERBAL MASSAGE)

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.