Fana: At a Speed of Life!

ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ነሓሰ ከምዝጅመር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ነሓሰ ንምጅማር ኣድላዪ መሳርሒ ካብ ጣሊያን ናብ ኣኽሱም ምእታዉ በዓል መዚ መፅናዕቲን ሓለዋ ሓድጊን ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ዶክተር ሙሉጌታ ፍስሃ ከምዝገለፁዎ፥ ሓወልቲ ኣኽሱም ካብ ዘንፀላለዎ ሓደጋ ንምንጋፍ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ክጅመር ኢዩ።

ንፅገና ዘድሊዩ መሳርሒታት ሎሚ ቕነ ካብ ጣሊያን ናብ ኣኽሱም ምእታዎም እውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ተዛሪቦም።

ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ንምጅማር ተሃቂኑ ዝነበረ ይኹን እምበር ክስተት ቫይረስ ኮሮና ስዒቡ ክሳብ ሕዚ ምፅንሑ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ንፅገና እቲ ሓወልቲ ኣድላዪ ትኹረት ሂቡ ምስ መንግስቲ ጥሊያን ብምዝርራብ ኣብ ስምምዕነት ብምብፅሑ ንስራሕቲ ዘድሊዩ መሳርሒታት ኩሎም ናብ ኣኽሱም ክበፅሑ ምግባር ተኻኢሉ ኢዩ።

ስራሕቲ ፅገና እቲ ሓወልቲ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ንምዝዛም ከምዝተተለመ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ምድንጓይ ፅገና እቲ ሓወልቲ ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ስግኣት ፈጢሩ ምፅንሑ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.