Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይን ኣባል ሃገራት ቐጠና ሳሕልን ወታደራዊ ትሕብብረን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይን ኣባል ሃገራት ቐጠና ሳሕልን ኣብቲ ከባቢ ዝረአ ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምምካት ዘኽእል ወታደራዊ ስምምዕነት ፈፂመን።

ፕዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮንን መራሕቲ ኣባል ሃገራት ቐጠና ሳሕልን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ትማሊ ዕለት ኣብ ፈረንሳይ ተዛትዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ መራሕቲ ሓሙሽቲአን ኣባል ሃገራት ማለት እውን ማሊ፣ ኒጀር፣ ቡርኮናፋሱ፣ ቻድን ሞሪታኒያን ተሳተፍቲ ኮይኖም  ኢዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ቐጠና ሳሕል እናተስፋሕፈሐ ዝመፅአ ምንቅስቓስ ግብረ ራዕዲ ብሓባር ንምምካት ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዙርያ ከምዝተዛተዩ ኢዩ ዝተገለፀ።

ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን፥ ምስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣል ቃኢዳን ኣይ ኤስን ርክብ ዘለዎም ጉጅለታት ኣብቲ ከባቢ ዝፍፅሙዎ መጥቃዕቲ ንምምካት ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ፈረንሳይ 4 ሺሕን 500 ዝኣኽሉ ወታደራት ምውፋራ ዝሓበሩ ማክሮን፥ ሃገሮም ፈረንሳይ ኣብ ዘላቕነት ምኽባር ሰላም እቲ ከባቢ ቁርፀኛ ቅዋም ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ድማ ፈረንሳይ 220 ዝኾኑ ተወሰኽቲ ወታደራት ኣብቲ ዞባ ንምውፋር ከምዝወሰነት ገሊፆም።

መራሕቲ ኣባል ሃገራት እቲ ዞባ ብግደኦም፥ ኣብቲ ከባቢ ዝፍፀሙ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ንምቁፅፃር ዝተፈላላዩ ወታደራዊ ወፍሪታት እናካየዱ ምፅነሖም ገሊፆም።

ይኹን እምበር ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ጉጅለ ራዕዲ ዘብፀሑዎ መጥቃዕቲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ምምፅኡ ሓቢሮም።

ኣብቲ ከባቢ ዝፍፀሙ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ብዘላቒነት ንምውጋድ፥ እተን ሃገራት ሓላፍነት ብዝተመልኦ መገዲ ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ፈረንሳይን ኣባል ሃገራት ቐጠና ሳሕልን ኣብቲ ከባቢ ዝፍፀም ግብረ ራዕዲ ንምውጋድ ዘለወን ወታደራዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።

ፍልፍል፦ አልጀዚራ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.