Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ኣብ 9 ከተማታት ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ፓሪስን ካልኦት ትሸዓተ ከተማታትን ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ኣዋጅ እቶ እቶ ከምዝተኣወጁ ኣፍሊጦም።

ኣዋጅ እቶቶ እታ ሃገር ነቲ ብቑልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምግታእ ዝዓለመ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ካብ ዕለተ ቀዳም ጀሚሩ እንተወሓደ ንሓደ ወርሒ ዝቕፅል እንትኸውን፥ ካብ ሰዓት 3፡00 ናይ ምሸት ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 12፡00 ኣብ ዘሎ እዋን ምንቅስቓስ ክኽልከል ምዃኑ እቶም ፕሬዚዳንት ገሊፆም።

ኣብ ኣውሮፓ ደግሲ ቫይረስኮሮና ኣጋጢሙ ብምህላዉ እተን ሃገራት ነዚ ንምቁፅፃር ነናተን ስጉምትታት ይወስዳ ምህላወን ይፍለጥ።

ስለዝኾነ  ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝርከቡ ኣብያተ መስተን ምግብን ክዕፀዉ ከምዘለዎም ጀርመን ኣፍሊጣ’ላ።

ኣብ’ታ ሃገር ብመሰረት ዝተደንገገ ሓድሽ ጥቡቕ መምርሒ፥ ካብ 100 ሺሕ ነበርቲ እቶም 50 ብቫይረስኮሮና ኣብ ዝተለኸፉሎም ከባብታት ዝርከቡ ኣብያተ መስተን ምግብን ቅድሚ ምሸት ሰዓት 11 ክዕፀዉ ይግደዱ ኢዮም ተባሂሉ።

ልዕሊ 10 ሰባት ምትእኽኻብ’ውን ከምዝተኸልከለ ተገሊፁ።

ኣብ ኔዘርላንድስ ድማ ብኽፋል ዕፅዋ ዝተኣወጀ እንትኸውን፥ እንዳ ሻህን ኣብያተ መግብን ተዓፅዮም ኢዮም።

ብተወሳኺ ቼክ ሪፓብሊክ፥ ኣብያተ ትምህርትን እንዳ መስተን ከምዝዓፀወት ተሓቢሩ።

ቼክ ሪፓብሊክ፥  ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ልዑል መልከፍቲ ዝተመዝገበላ ሃገር እያ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.