Fana: At a Speed of Life!

ፋብሪካ ዘይቲ ብልዒ ኩባኒያ ሪችላንድ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማይሕር ፈተነ ምፍራይ ጀሚሩ

ኣዲስ በባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቡሬ ብኩባኒያ ሪችላንድ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ዝህነፅ ዘሎ ፋብሪካ ዘይቲ ብልዒ ፈተነ ፍርያት ጀሚሩ።

ብልዕሊ ብር 991 ሚሊየን ዝተሃነፀ እቲ ፋብሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ብርኪ ፈተነ ከምዝኣተወ ተገሊፁ።

እቲ ፋብሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ እንተኣቱ፥ በቢዓመቱ ልዕሊ 61 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዘምፅእ ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብ ማሕበራዊ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንተኣቱ፥ 22 ሚሊየንን 500 ሺሕን ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ናብ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ከምዘቕርብ እውን እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.