Fana: At a Speed of Life!

ፌስቡክን ኢንስታግራምን ንሓሳብ ጀኔራል ሱለይማኒ ዝድግፉ ሓበሬታታት ካብ ገፆም የወግዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፌስቡክን ኢንስታግራምን ብኣሜሪካ ንዝተቐተለ ጀኔራል ኢራን ቃሲም ሱለይማኒ ዝድግፉ ሓሳባትን ሓበሬታታትን ካብ ገፆም የወግዱ ምህላዎም ተገሊፁ።

እቶም ማሕበራዊ ሚዲያታት ነቶም ሓበሬታታት ካብ ገፆም ዘወግዱዎም፥ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ ማዕቐብ ስዒቡ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ዓማዊል ፌስቡክን ኢንስታግራምን ንሓሳብ ጀኔራል ሱለይማኒ ደጊፎም ነቶም መተግበርቲ ብምጥቃም ዝፍንዉዎም ሓበሬታታት እናኣገዱ ከምዝኾኑ እቶም ትካላት ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ኢራን ዝርከባ መራኸብቲ ሓፋሽ፥ ነቲ ጀነራል ደጊፈን ዝፍንወኦም ሓበሬታታት ካብ ገፆም እናወገዱዎም ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ነዙይ ስዒቡ ድማ፥ ኢራናውያን እቶም ትካላት ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝፍፅሙዎ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ተግባር ስጉምቲ ክውሰደሎም ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣቐባሊ ቓል መንግስቲ ኢራን ዓሊ ሬቤይ ብግደኦም፥ እቲ ተግባር ዴሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ዘይተኸተለን ሓላፍነት ዝጎደሎን ክብሉ ኮኒኖምዎ።

ጀኔራል ኢራን ቃሲም ሱለይማኒ ብትእዛዝ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ውሽጢ መዕርፎ ነፈርቲ ኢራቅ ክቕጠሉ ድሕሪ ምግባሩ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ዓሲሉ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ኣሜሪካ ምስ እዚ ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ትካላትን ውልቀ ሰባትን ኢራን ማዕቐብ ኣንቢራ ኢያ።

ትካላት ማሕበራዊ ሚዲያ ኢንስታግራምን ፌስቡክን ብግደኦም፥ ኣሜሪካ ማዕቐብ ብዘንበረትሎም ትካላትን ውልቀ ሰባትን እናተመሓደሩ ዝነበሩ ገፃት ካብ መተግበሪኦም ከምዘወገዱዎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ፍለፍል፦ ሲ ኤን ኤን

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.