Fana: At a Speed of Life!

ፌስቡክ መቐመጢኦም ኣብ ግብፂ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘቕነዐ ሓበሬታ ይፍንዉ ነይሮም ዝበሎም ኣካውንታት ዓፂዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኩባኒያ ፌስቡክ መቐመጢኦም ኣብ ግብፂ ብምግባር ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ቱርኪን ዘቕነዐ ሓበሬታ ይፍንዉ ነይሮም ዝበሎም 30 ኣካውንታት ምዕፃዉ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣካውንታት ልዕሊ 300 ሺሕ ተኸተልቲ ከምዘለዉዎም ኢዩ እቲ ኩባኒያ ገሊፁ ዘሎ።

ስለዝኾነ ድማ 17 ኣካውንታት ፌስቡክ፣ ሽዱሽተ መርበብ ሓበሬታታትን ሰለስተ ኣካውንታት ኢንስታግራምን ምዕፃዉ ገሊፁ።

እቲ ኩባኒያ ብዝገበሮ ምርመራ፥ እቶም ኣካውንታት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ኣካል መቐመጢኡ ኣብ ግብፂ ዝገበረ ቢ ኢንስትራክቲቭ ዝተብሃለ ኩባኒያ ማርኬቲንግ ከምዝኾኑ ኢዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

እቶም ኣካውንታት ኣብ ኢትዮጵያ ምስፍሓት ብዝዝረብ ቋንቋ ኣምሓርኛ እናጋውሑ ከምዝነበረ ኢዩ ገሊፁ ዘሎ።

ቀንዲ ትሕዝትኦም ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ እናሃነፀቶ ትርከብ ዓቢዪ ግድብ ዘቕንዑ ፅሑፋት ከምዝነበሩ ኩባኒያ ፌስቡክ ገሊፁ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.