Fana: At a Speed of Life!

ፍልስፍና ምድማር ፓን ኣፍሪካኒዝም ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍልስፍና ምድማር ብዙህነትን ሕብረትን ንምጥንኻር ቁልፊ ግደ ምህላዉ ከምዘለዎ ኮይኑ ፓን ኣፍሪካኒዝም ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “መከሓሓሲ ፍትሒ ንኣፍሪካዊያን ወለዶ ኣፍሪካዊያንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ መኽፈቲ መደረ ዝገበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ብብዕዳዊ መግዛእቲ ዝመፅአና ስምብራት ባዕልኻ ብምኽኣልን ድኽነት ብምስዓርን ክነሕውዮ ይግበአና ኢሎም።

ነዚ አውን ዝተፈላለዩ ምዕቡላት ተልሚናት ግብርና ተግባራዊ ብምግባር፣ ብምግቢ ዓርስና ብምኽኣልን ድኽነት ብምስዓርን ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ በዚ መዳይ ዝተፈላለዩ ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ተልሚታት ግብርና ብምጥቃም ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይኒ ኣፍራይት ስርናይ ሃገር ምዃን ከምዝኸኣለት ኣብሪሆም።

ንቐፃሊ ትውልዲ አውን ዘበን ተሳጋሪ ሰረት ንምንባር ኣፍሪካዊ ዲያስፖራ ምንቕቓሕን ምስታፍን ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋፅ ብሓባር ብምድማር ኣፍሪካዊያን እንደሊያ ዝማዕበለት ኣህጉር መፍጣር ንኽእል ኢና ብምባል፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስምብራትና በዚ ኢና እነሕውዮ ከብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ናይ ኣፍሪካ ናይ ካሕሳ ሕቶ ካብ ቃል ብዝዘለለ ፍትሒ ናይ ምንጋስ ሕቶ ኢዩ እወን ኢሎም።

ዝኾነ ይኹን ዘርኢ ሰብ ብማዕርነት ተኸቢሩ መእንታ ክነብር ፍትሒ ምንጋስ ወሳኒ ከምዝኾነ አወን ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።

ብሄለን ታደሰ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.