Fana: At a Speed of Life!

ፍርያታት ሕርሻ ብማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸመትቲ ኣቢሉ ናብ ሕብረተሰብ ምቕራብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሽጉርቲን ካልኦት ፍርያታት ሕርሻን ፍርያታት ሕርሻ ብማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸመትቲ ኣቢሉ ናብ ሕብረተሰብ ንምቕራብ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ።

ልዕሊ 2 ሚኢቲን92 ኩንታል ቀይሕ ሽጉርቲ ካብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ርእሰ ምምሕዳር ክልላትን ብሓባር ብምዃን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ዑደት ኣብ ዘካየዱሉ እዋን፥ ሽጉርቲን ካልኦት ፍርያታት ሕርሻን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኸኣቱ ምርድዳእ ከምዝተገበረ ይዝከር።

ነዚ መሰረት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 2 ሚኢቲን 92 ኩንታል ቀይሕ ሽጉርቲ ካብቲ ዞባ ብማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸመትቲ ኣቢሉ ናብ ሕብረተሰብ ንኽከፋፈል ርኽክብ ከምዝተገበረ ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ሲሳይ ኣረጋ ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ልዕሊ 60 ኩንታል ቀይሕ ሽጉርቲ ካብ ሓረስቶት ከምዝቐርብ ኣይተ ሲሳይ ምግላፆም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.