Fana: At a Speed of Life!

ፍርያቶም ትሕቲ ደረጃ ዝኾኑ 9 ፋብሪካታት ስጉምቲ ተወሲዱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍርያቶም ትሕቲ ደረጃ ኣብ ዝኾኑ ትሽዓተ ፋብሪካታት ስጉምቲ ምውሳዱ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ኣገዳዲ መለክዒ ፅሬት ደረጃ ኢትዮጵያ ዘየማልኡ ፍርያት እናፍረዩ ኣብ ዝረኸቦም ትሽዓተ ፋብሪካታት ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኢዩ ዝሓበረ።

ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 210 ፋብሪካታት ቁፅፅር ንምግባር ሃቂኑ ኣብ ልዕሊ 185 ትካላት ስራሕቲ ቁፅፅርን ክትትልን ምግባሩ ገሊፁ።

ቁፅፅር ካብ ዝተገበረሎም 185 ፋብሪካታት፥ ካብ 47 ፋብሪካታት ወካሊ ናሙና ብምውሳድ ምርመራ ኣካልን ላብራቶሪን ተገይሩ ኢዩ።

ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ድማ ፍርያት ትሽዓተ ፋብሪካታት ትሕቲ ደረጃ ብምዃኑ፥ ካብ መጠንቀቕታ ክሳብ ምዕሻግ ዝበፅሕ ስጉም ከምዝተወሰደሎም እቲ ሚኒስቴር ኣብሪሁ።

ፋብካታት ሳሙና፣ ሲሚንቶ፣ማይን ወይኒን ስጉምቲ ካብ ዝተወሰደሎም ፋብሪካታት ዝርከቡዎም እንትኾኑ፥ 14 ፋብሪካታት ድማ ውፅኢት ምርመራ ላብራቶሪ ክሳብ ዝበፅሕ እናተፀበየ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም 162 ፋብሪካታት ድማ መለክዒ ፅሬት ደረጃ ኢትዮጵያ ዘማልኡ ኮይኖም ከምዝተረኸቡ ካብ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ ልዕሊ 90 ሺሕ ኣብ ዝኾኑ ትካላት ንግዲ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ናህሪ ዋጋን ምኽባር ዕዳጋን ንምክልኻል፥ ብሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ዝምራሕ ግብረ-ሓይሊ ካብ ፌዴራል ክሳብ ወረዳ ብምውዳብ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.