Fana: At a Speed of Life!

ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 10 ሰነ ናብ ውድድር ክምለስ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጉነበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ተቛሪፁ ዝነበረ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ 10 ሰነ 2012 ዓ.ም ናብ ውድድር ከምዝምለስ ተገሊፁ።

እቲ ሊግ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናልን ከምኡ እውን ኣስቶንቪላ ምስ ሼፍልድ ዩናይትድ ብዝገብሩዎም ተመዓራረይቲ ፀወታታት ከምዝጅመር ተፈሊጡ።

ካብ 12 ክሳብ 14 ሰነ ድማ ኩሎም ፀወታታት መበል 30 ሰሙን ክካየዱ ኢዮ ተባሂሉ።

ውድድር ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ንኽዛዘም 92 ፀወታታት ዝተርፉዎ እንትኸውን፥ ኩሎም ውድድራት ብልዑል ጥንቃቐን ደገፍቲ ኣብ ዘይተረኸቡሉን ከምዝካየዱ ተገሊፁ።

ኣብ ፀወታ ፕሪፔርሊግ ዝሳተፉ 2 ሺሕን 752 ተፃወትቲን ኣባላት ስታፍን ብዝተገበረ ምርመራ ክሳብ ሕዚ 12 ሰባት እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኸቦም ተሓቢሩ።

ኣብቲ ፕሪሜርሊግ ዝሳተፉ ኮሎም ተፃወትቲን ኣባላት ስታፍን በቢክልተ ሰሙን ምርመራ ክገብሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ፕሪሜር ሊግ እንግሊዝ ጋንታ ሊቨርፑል ብ82 ነጥቢ እንትትመርሕ፥ ማንቸስተር ሲቲ ብ57 ነጥቢ 2ይቲ፣ ሌሰተር ሲቲ ብ53 ነጥቢ ሳልሰይቲ ኮይነን ይኽተላ ኣለዋ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.