Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚደንት ሳህለወርቅ ምስ ምክትል ፀሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውሕመ ማርቲን ግሪፍትስ ተዛቲየን 

አዲስ አበባ፣ ሃምሌ 23፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምክትል ፀሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኣተሓባባሪ ሓገዝ ህፁፅ ግዜን ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ማርቲን ግሪፍትስ ተዛቲየን።

እቶም መራሕቲ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ፀፅታዊን ሰብኣዊ ሓገዝን ብዝመልከት ምልዛቦም ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ኣተሓሳሳቢ ዝኾኑ ሰብኣዊ ዕንቅፋታት ንምቕራፍ ምስ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት ውሕመ ዘሎ ርክብ ምጥንኻር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲበን።

ማርቲን ግሪፍትስ በግደኦም፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኩለ መዳይ ድልየት ኢትዮጵያ ብዘማልእ መልክዑ ምስራሕ ከምዘድሊን ምስታ ሃገር ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ምዝራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳነት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.