Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ፕሬዚዳንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኒስቶ ብስልኪ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣6 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ምስ ፕሬዚዳንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኒስቶ ብስልኪ ተዛቲየን።

ትማሊ ብስልኪ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኩነታት ምብራቕ ኣፍረካን ከምኡ እውን ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣመልኪተን ምዝታየን ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ፊንላንድ ዘውፀኦ ሓበሬታ የረድእ።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምኡ እውን ብምኽንያት እቲ ወፍሪ ዝተመዛበሉ ዜጋታት እናተገበረ ብዛዕባ ዘሎ ሓገዘው ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን።

እቶም ሬዚዳንታት ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት ኣድሂቦም ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ብፍላይ ኣብ ለበዳ ቫይረሰድኮሮናን ኩነታት ለውጢ ኣየርን ምዝታዮም ተገሊፁ።

ክልቲኦም ፕሬዚዳንታት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፊንላንድን ዘሎ ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ፕሬዚዳንት ሳውሊ ኣብ ማሕበራዊ ትዊተር ገፆም፥ ምስ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ከምኡ እውን ኣብ ምትሕብባር ክልተኣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያን ፊንላንድን ኣመልኪቶም ስለዝተዛተዩ ምስጋና ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.