Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሃመድ ኣብዱላሂ ኣብ ኤርትራ ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሃመድ ኣብዱላሂ ሞሃመድ ፋርማጆ ኣብ ኤርትራ ካብ ትማሊ ጀሚሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጡ ኣለዉ።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብታ ሃገር ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዑደት ንምግባር ትማሊ ኣስመራ እንትኣትዉ፥ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ፕሬዚዳንት ሞሃመድ ኣብዱላሂ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ምስ ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣብ ክልቲኣዊ ዛዕባታትን ቀጠናዊ ጉዳይን ትኹረት ብምግባር ከምዝተዛተዩ  ሚኒስትር ዜና እታ ሃገር ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ፅሒፎም።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ሰነድ ስምምዕነት ምሕዝነትን ምትሕብባርን ድሕሪ ምፍርራመን  ርክበን ውፅኢታዊ እናኾነ ከምዝመፅአ እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ተዘራሪቦም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማሊያን ዝፈረምኡ ሰለስቲኣዊ ስምምዕ ብፅቡቕ ኩነታት ተግባራዊ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ጉዳያት ደሕንነት፣ ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ኣድሂቦም ልዝብ ከመዝገበሩ እወን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.