Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኢስማኤል ኦማር ጊሌህ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ቅርንጫፍ ጂቡቲ መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጊሌህ ኣብታ ሃገር ቅርንጫፍ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ትማሊ መሪቖም ከፊቶም።

ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምርቓት ሓዊሱ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ኣብዱላዚዝ መሓመድ፣ ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ባጫ ጊና ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ባንኪ ተረኺቦም።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ቅርንጫፍ ምኽፋቱ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክጠናኸር ዝገብር ኢዩ ክብሉ እቶም ፕሬዚዳንት ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ዘለዎም ርክብ ንግዲ ዘጠናኽርን ተረባሕቲ ግልጋሎት ንግዲ ዝገብርን ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኢንቨስትመንትን ዓውዲታት ንግዲን ዝተዋፈሩ ኢተዮጵያውያን ዝተማልአ ገልጋሎት ባንኪ ንክረኽቡ ዘኽእል ከምዝኾነ አወን ሓቢሮም።

ኢትዮጵያን ጂቡቲን ብንግዲ፣ ልምዓት፣ ማይን መሰረተ ልምዓትን ስትራተጂካዊን ኩለመዳያዊን ርክብ ዘለወን ከመዝኾና ይፍለጥ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.