Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ንሓዋሩ ተኣጊዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ንሓዋሩ ተኣጊዶም።

መበገሲ እቲ እገዳ፥ ብዝበለፀ ዝያዳ ጎንፅታት ከለዓዕሉ ይኽእሉ ኢዮም ብዝብል ከምዝኾነ እቲ ትካል ገሊፁ’ሎ።

ትዊተር ነዚ ውሳነ ዝወሰነ፥ ኣብ ቀረባ እዋን እቶም ፕሬዚዳንት ንዝጠቀዕዎም ፅሑፋት ምስገምገመ ምዃኑ ሓቢሩ ኢዩ።

ገለ ሰብ ሞያ ሕግን ፍሉጣት ሰባትን፥ ትዊተር ንትራምፕ ንሓዋሩ ክእግዶ ንዓመታት ፃውዒት ክገብሩ ፀኒሖም እዮም።

ቀዳመይቲ እመቤት ኣሜሪካ ነበር ሚሼል ኦባማ ብሓሙስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጠቀዐቶ ፅሑፍ፥ ዓበይቲ ትካላት ቴክኖሎጂ ንክፉእ ባህርያት ትራምፕ ባይታ ከጣጥሓ ከምዘይብለንን ንሓዋሩ ክእግደኦምን ፀዊዓ ነይራ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.