ፕሬዚዳንት ጊኒ ቢሳው ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ጊኒ ቢሳው ኡማሮ ሲሶኮ ኤምባሎ ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምርካብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ(ፕ/ር) ኣቀባብላ ገይረሙሎም።
እቲ ጉባኤ፥ “መከሓሓሲ ፍትሒ ንኣፍሪካዊያንን ወለዶ-ኣፍሪካዊያንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።