Fana: At a Speed of Life!

ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውፅኦ ፀብፃብ ተቐባልነት ኣይብሉን-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውፅኦ ፀብፃብ ተቐባልነት ኣይብሉን ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ግልፂ ዝኾነ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተፈፀሙ ዝገልፅ ጁን 1/ 2023 (24 ግንቦት  2015 ዓ.ም) ዘውፅኦ ፀብፃብ መሰረት ዘይብሉ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ጎንፂ ብዙሓት ከባቢታት ንጉድኣት ዘቃለዐ እኳ እንተኾነ በዝተፈለየ ኩነታት ዝተወሰነ ከባቢ መሪፁ ደጋጊሙ ፀብፃብ ብምድላው ብሰብኣዊ መሰል ኣጀንዳ ሽፋን ዝተፈለየ ናይ ፖለቲካ ልኡኽ ንምስኻዕ ዕላማ ዝገበረ ብምዃኑ ተቐባልነት ኣይብሉን ክብል ገሊፁ።

እቲ ዘቕረቦ ፀብፃብ እወን ግቡእ ምርመራ ዘይተገበረሉን ብብቑዕ መረዳእታ ዘይተደገፈን ስለዝኾነ ዝእመን ከምዘይኮነ ተሓቢሩ።

ብሓፈሻ በቲ ትካል ዝቐረበ ፀብፃብ ዝተዛበዐን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ዘይገልፅ፣ ንዘበናት ሓቢሮም ዝነበሩ ህዝብታት ሓቢሮም ናይ ምንባር ክብሪ ዘፀልም፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ጎንፂ ዝውልዕን ሃገርና እትገብሮ ዘላ ከይዲ ዕርቂን ዘተን ዘተዓናቕፍን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘለዎ ፀብፃብ ኢዩ ኢሉ።

ኢትየጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ዘኽእሉ ሕጊን ኣወዳድባ ትካላትን ዘለዋ ሃገር ምዃና በምግላፅ፥ ነዚ ንምክትታል ዘኽእሉ ከም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዝበሉ ናፃን ገለልተኛን ትካላት ኣጣይሻ ኢያ ክብል እውን ገሊፁ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ በዝነበረ ጎንፂ ተፈፂሞም ኢዮም ዝበሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ንከፃርዩ ካብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰል ውሕመን ብሓባር ጉሽለ ምርመራ ተጣይሹ ኣድላዪ ኩነታት ብምምችቻውን ፀብፃብ እንተውፅኡ እውን ኣብቲ ፀብፃብ ዝተውሃቡ መክረ ሓሳባት ንምትግባር ናይ ሚኒስትራት ጥምር ግብረ ሓይሊ ብምጥያሽ ሰፋሕቲ ዝኾኑ ተጎዳእቲ መሊስካ ብምጥያሽ፣ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ምር%መራን ናይ ሕጊ ምምሕያሽን ስራሕቲ እንትስራሕ ፀኒሑ ኢዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ንምፍፃም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአዩ ዘይምርድዳኣት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣማራፅታት ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ብምድላው ብብርኪ ሃገር ብዙሓት ዘተታት ይግበሩ ከምዘለዉ ገሊፁ።

ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ጎንፂታትን ዘይምርድዳኣትን ካብ ስሮም ብምፍላይ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ስለዝኾነ እዚ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውፅኦ ፀብፃብ ሃናፂ ዘይኮነን ተቐባልነት ዘይብሉን ኢዩ ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.