Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ብቫይረስ ኮሮና ዝተዘሓሓለ ሓዱሽ ዓመት 2021 ፈረንጂ ኣቐዲመን ይቕበላ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝተዘሓሓለ ሓዱሽ ዓመት 2021 ፈረንጂ ኣቐዲመን ይቕበላ ኣለዋ።

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ፓስፊክ ትርከብ ኒውዝላንድ ሓዱሽ ዓመት 2021 ብምቕባል ፈላመይቲ ኮይና፡፡

ኣብ ደሴታት ፓስፊክ ዝርከባ ሃገራት 2021 ቀዲመን ዝተቐበላ እንትኾና፥ ኣብ ኣውስትራሊያ እውን ምርኢት ጎደናታት ኣብ ዘይብሉ ንምኽባር ምድላው ትገብር ኣላ፡፡

ካልኦት ሃገራት እውን ብዘለወን መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ሓዱሽ ዓመት ኣውሮፓውያን ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ፍርቂ ለይቲ ክቕበላ ኢየን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓቢዪ ስግኣት ዓለም ዝኾነ ቫይረስ ኮሮና ግን እቲ ሓዱሽ ዓመት ከምወትሩ ወቂቡ ከይኽበር ገይሩዎ ኢዩ፡፡

ብፍላይ ድማ ምዕራባውያን ዜጋታቶም ሓዱሽ ዓመት ከም ወትሩ ኣብ ኣደባባይ ዘይኮነስ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ንኸኽብሩ እገዳ ኣንቢሮም ኢዮም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ሓዱሽ ዓመት ክቕበሉ ኢዮም ይበሃል ኣሎ፡፡

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.