Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ጉጅለ 7 ክታበት ናይ ዝኾነ ለበዳ ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ንኽዳሎ ዘኽእል ትልሚ ሓንፂፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 7 ዘለዎም ፀጋታት ተጠቒሞም ከም ኮቪድ19 ዝኣመሰለ ዓለምለኻዊ ለበዳታት ዳግማይ ንኸይክሰት ንምክልኻል ዘኽእል  ተልሚ ሓንፂፆም።

እቶም መራሕቲ ሎሚ ኣብ ዘካይድዎ ካልኣይ መዓልቲ ኣኼብኦም፥ ነቲ ዘውፅእዎ ትልሚን ክውሰድ ኣለዎ ዝበልዎ ተኸታታሊ ስጉምትታትን ብዝርዝር ክሕብሩ እዮም ዝበል ትፅቢት ኣሎ።

ሓደ ካብቲ ወፂኡ ዘሎ ውጥን፥ ክታበት ናይ ዝኾነ ለበዳ ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ንኽዳሎ ዘኽእል መደብ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታንያ ቦሪስ ጆንሰን እቲ መድረኽ እንትኸፍቱ፥ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምዕሩይ ምቅረሐ ፀጋታት፣ ትሕተ ቅርፂ ጥዕና ማዕረ ክኸውን ክፀዓር ምዃኑ ብምምብፃዕ እዩ ፈሊመምዎ።

መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እዮም ኣኼብኦም ዘካይዱ ዘለዉ።

እቲ ኣኼባ ትማሊዝጀመረ እንትኸውነ፥ ሎሚ ኸኣ ንኻልኣይ መዓልቱ ይካይድ ኣሎ።

ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ንሃገራት ካናዳ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ጃፓን፣ ጣልያን፣  ብሪታኒያን ኣሜሪካን ዝሓቆፈ እንትከውን፥ ኩሎም መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብቲ ኣኼባ ይሳተፉ ኣለዉ። ብተወሳኺ ክልተ ላዕለዎት ፖሎቲከኛታት ኣውሮፓዊ ሕብረት’ውን ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.