Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ኣልጄሪያ ኣምሪሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ኣልጄሪያ ኣብ ዝካየድ 7ይ ሻምፒዮና ውድድር ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ቻን) ትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ኣልጄሪያ ኣምሪሓ።

እቲ ውድድር ድሕሪ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ነቲ ውድድር ኣብ ውሽጢ ኃገርን ካብ ሃገር ወፃእን ቀድመ ምድላው ከምዝገበረት ተገሊፁ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋልያታት) ኣብ ውድድር ቻን ኣብ ምድብ ሓደ ምስ ኣሰናዳኢት ሃገር ኣልጄሪያ ከምኡ እውን ምስ ዛምቢክን ሊቢያን ተደልዲላ ትርከብ።

ኢትዮጵያ ፈላማይ ፀወታኣ 6 ጥሪ 2015 ዓ.ም ምስ ሞዛምቢክ ክተካይድ ኢያ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.