Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንብሄራዊት ጋንታ ኒጀር ሰለስተ ንባፎ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋሊያታት) ንብሄራዊት ጋንታ ኒጀር ሰለስተ ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራታ።

ብሄራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መፃረዪ ምድብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ራቭዓይ ግጥማ ምስ ኒጀር ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣካይዳ።

በቲ ፀወታ ድማ ብሄራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዋሊያታት ንኒጀር መዘነኣ ሰለስተ ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት ዓወት ኣመዝጊባ።

ኢትዮጵያ ተዓዊታ ንኽትወፅእ እተን ሸድቶታት ዘቑፀሩወን ተፃወት ድማ ኣማኒኤል ገብረሚካኤል ኣብ መበል 14 ደቒቕ፣ መስዑድ መሓመድ ኣብ መበል 44 ደቒቕ ከምኡ እውን ጌታነህ ከበደ ኣብ መበል 70 ደቒቕ ኣመዝጊቦምወን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኒጀር ፈላማይ ግጥመን ኣካይደን ኢትዮጵያ ብኒጀር ሓደ ንባዶ ተሳዒራ ምንባራ ይዝከር።

ኢትዮጵያ ኣብ ትርከበሉ ምድብ ዝርከባ ብሄራዊ ጋንታታት ኣይቮሪኮስትን ማዳጋስካን ዝገበረኦ ፀወታ ሓደ ማዕረ ብዝኾነ ውፅት ተዛዚሙ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.