Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ትገብሮም ፀወታታት ናይ መዓልቲ ለውጢ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ትገብሮም ፀወታታት ናይ መዓልቲ ለውጢ ከምዝተገበረ ካፍ ኣፍሊጡ።

ብኣሳዳእነት ኮትዲቧር ከም ኣቆፃፅራ ኣውፓውያን 2023 ኣብ ዝካየድ ፀወታ ፀዋዕ ኣፍሪካ ተሳታፊ ንምዃን ዝግበሩ መፃረዪ ፀወታት ድሕሪ መዓልቲታት ዝጅምሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ምድብ “መ” ምስ ግብፂ፣ ጊሚም ማላዊን ዝተደልደለት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ፈለምቲ ፀወታታ ምስ ግብፂን ማላዊን ክተካይድ ኢያ፡፡

እቶም ፀወታታት 25ን 29 ግንቦት ከምዝካየዱ ኣቐዲሙ መርሃ ግብሪ ወፂኡሎም ዝነበረ ይኹን እምበር ምሽግሻግ መዓልቲ ከምዝተገበረ ካፍ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ ምስ ማላዊ ዝግበር ፀወታ 28 ግንቦት ዝካየድ እንትኸውን፥ ምስ ግብፂ ዝግበር ፀወታ ድማ 2 ሰነ 2014 ዓ.ም ከምዝካየድ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.