Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 6 ደረጃታት ኣመሓይሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ፊፋ ኣብ ዝውፀኦ ወርሓዊ ደረጃ ኩዕሾ እግሪ ሽዱሽተ ደረጃታት ኣመሓይሻ፡፡

እታ ሃገራዊት ጋንታ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዓለም ኣብ መበል 140 ከምዝተቐመጠት ፊፋ ኣፍሊጡ፡፡

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብኣሰናዳእነት ካሜሮን ዝካየድ ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ምሕላፋ ይፍለጥ፡፡

ቤይልጄይም፣ ፈረንሳይን ብራዚልን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ሒዞም፡፡

ካብ ኣፍሪካ ሴኔጋል ክልተ ደረጃታት ብምውራድ መበል 22 ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ፡፡

ቱኒዝያ ካብ ዓለም መበል 26 ደረጃ ብመሓዝ ካልአይቲ ኮይና እንትትክተል ናይጀሪያ ኣርባዕተ ደረጃታት ብምምሕያሽ መበል 32 ደረጃ ትርከብ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.