Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንመፃረዪ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ሻውዓይ ምድብ ተደልዲላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንመፃረዪ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ዝካየዱ ግጥማት ኣብ ሻውዓይ ምድብ ተደልዲላ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ፥ ምስ ጋና፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብወን ኢያ ተመዲባ ዘላ።

እቲ ምድብ ድልድል ኣብ ከተማ ካይሮ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ከካብ ምድቡ ዝሓለፋ ሃገራውያን ጋንታታት መሊሰን ብዕጫ ተደልዲለን ክፃወታ እየን።

ኣብ ናይ በፂሕኻ መልሲ ፀዋታ ዝተዓወታ 5 ሃገራውያን ጋንታታት ከኣ ኳታር ኣብ እተአናግዶ ዋንጫ ዓለም ንኣፍሪቃ ወኪለን ይሳተፋ።

ዋልያ ብዝብል እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ስታድየም ባህርዳር ምስ ሌሴቶ ዝገበረቶ ግጥም ብዘይገለ ሸቶ ምዝዛማ ይዝከር።

ሌሴቶ ኣብ ዝተኻየደ ፀዋታ ግን ሓደ ማዕረ ስለዝተፈላለየት፥ ካብ ሜዳ ወፃኢ ሸቶ ብዘቑፀረ ብዝብል ናብ ቀፃሊ ዙር ብምሕላፍ ናብ ምድብ ድልድል ክትኣትው ክኢላ ኢያ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዯጵያ ኢንስትራክተር ኣብርሃም ተክለሃይማኖት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፥ ብተደጋጋሚ ኣብ ዋንጫ ዓለም ምስ ዝተሳተፈት ጋናን ብኣሰናዳእነት ዋንጫ ዓለም ተሞክሮ ምስ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ሓደ ምድብ ምህላው ቁሩብ ፈታኒ ከምዝኸውን ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር እቲ ድልድል ብዕጫ ዝወፅእ ስለዝኾነ ብፅጋ ክትቕበሎ ግድን’ዩ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.