Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ መድረኽ ዘተ “ስለ ኢትዮጵያ” ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ መድረኽ ዘተ “ስለ ኢትዮጵያ” “ኢትዮጵያ እናሰዓረት ክትሳገር ኢያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሃረር ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓበራዊ ክብሪታት ኢትዮጵያ ንህልውና ሃገር ኣብ ዘለዎም ግደ ዘድሀቡ ሰለስተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም።

ካብ ሞንጎ ኣቕረብቲ ፅሑፍ ሓደ ዝኾኑ ሓላፊ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ሃረሪ ኣይተ ተዋላዳ ኣብዶሽ፥ “ሓበራዊ ክብሪታትና ምፍላጥን ምድንፋዕን ንሃገራዊ ሓድነት መሰረት ዘንብር ኢዩ” ኢሎም።

እዞም ሃፍቲታት ብግቡእ ምልማዕ እንትከኣል ዝተደለየ ሰላምን ምዕባን ምርግጋጽ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

“ሓበራዊ ክብሪታትና ሓለዋ ሕጊ የድልዮም” ዝበሉ ድማ መምህር ሕጊን ጠበቓን ኣይተ ቀለመወርቅ ሚደቅሳ ኢዮም።

ሃገራዊ መድረኽ ዘተ “ስለ ኢትዮጵያ” ኣብ ዝተፈላለያ 11 ከተማታት ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

ብእዮናዳብ ኣንዱኣለም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.