Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ሰሙን ዕድጊት ቦንድ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ሰሙን ዕድጊት ቦንድ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ፕሮጀክት ህንፀት እቲ ግድብ መበል 12 ዓመት ምንባር እምነ ኩርናዕ እቲ ግድብ ምኽኒያት ብምግባር ካብ ዘዳለዎ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ሓደ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዳይሬክተር እቲ ቤት ፅሕፈት ኣረጋዊ በርሀ፥ “ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ልክዕ ከም ዓወት ዓድዋ ልዑል ሓድነት ኢትዮጵያዊያን ዝተርኣየሉ ኢዩ” ኢሎም።

እዚ ኢትዮጵያ ካብ ልቓሕን ሓገዝን ወፃኢ ብምልቓቕ ናፃ ኢኮኖሚ ነክትሃንፅ ዘኽእል ፃዕሪ ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዚ ብምጥንኻር ሓድነት ብምምዕባል ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ ዘንፀላለወ ፅዕንቶ ወፃኢ ደው ምባል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ነቲ ግድብ ዝገብሮ ኩለ መዳይ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሃገራዊ ሰሙን ዕድጊት ቦንድ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.