Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ዘተ ፅኑዕን ተቐባልነት ዘለዎን ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ዘተ ፅኑዕን ተቐባልነት ዘለዎን ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ክልል ሃረሪ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ መድረኽ ምፍላጥ ስራሕ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዝገበራ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ወይዘሮ ሚስራ ዓብደላ÷ እቲ ዘተ ኣብ ሃገራዊ ዛዕባታት ናይ ሓባር ቅዋም ንምሓዝን ዴሞክራሲያዊ ሰርዓት ንምዕሳልን ዝሕግዝ ኢዩ ኢለን።

ሃገራዊ ኣብ ዝኾኑ ዛዕባታት ዝረኣዩ ኣፈላላያት ብዘተ ንምፍታሕ ንኸኽአል ኩነታት ንምጥዕዓም ዝተጣየሸ ከምዝኾነድማ ኮሚሽነራት እቲ ኮሚሽን ተዛሪቦም።

ኮሚሸነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር መሓመድ ድሪል ብግደኦም፥ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ንዘተ ዝሕግዙ ስራሕቲ ከመዝተሰርሑ ተዛሪቦም።

ብድምር እቲ ሃገራዊ ዘተ ፅኑዕን ተቐባልነት ዘለዎን ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተሾመ ሃይሉ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.