Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ፍፃመ ንምብፃሕ ንፃት እውን ጠጠው ዘብለና ሓይሊ የለን – ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ”ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ፍፃመ ንምብፃሕ ንፃት እውን ጠጠው ዘብለና ሓይሊ የለን” ክብል ገሊፁ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ፕዚዳንት ኣሜሪካ ዳዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሓላፍነት ዝጎደሎ ንመንግስቲን ህዝቢን ኣሜሪካ ዘይምጥን ኢዩ ኢሉዎ።

ከምዚ ዓይነቱ ሓላፍነትዝጎደሎን ናይ ኣነነት ዘረባን ካብ ንዴሞክራሲ፣ ንማዕርነትን ፍትሒን ይሕለቕ ኢየ ትብል ሃገር ፕሬዚዳንት እንትስማዕ ብጣዕሚ መሕዘኒን መሕፈሪን ኮይኑ ከምዝረኸቦ እቲ ባይቶ ገሊፁ።

እቲ መልእኽቲ ውልቃዊ ስምዒትን ድሌትን እቶም ፕሬዚዳንት ዘንፀባርቕ እምበር፥ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ቅዋም ህዝቢን ባይቶታትን ኣሜሪካ ዝውክል ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ እውን ኣፍሊጡ።

ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ንዘበናት ዝፀንሐ ምሕዝነት ዘለዎም ህዝቢታት ኢዮም ዝበለ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ፥ መንግስታት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን እውን ጥንኩር ስትራቴጂካዊ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ዘለዎም መንግስታት ኢዮም፤ እዚ ድማ ካብዚ ንደሓር እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣገንዚቡ።

“ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዓና ንኢትዮጵያውያን ተምሳሌት ማንነትና፣ መግለፂ ሓድነትናን ህያው ሓወልቲ ቃል ኪዳንናን ኢዩ” ክብል እውን ኣፍሊጡ።

ዝሓለፍናዮ ሓበራዊ ታሪኽና ከምዘርእዮ፥ ካብ ባዕዳዊ ወረርቲ ዝመፅአና ወራር ብሓድነትን ሕብረትን ከምዝሰዓርናዮምን በቢእዋኑ ዝፍነዉ መጥቃዕቲታትን ሽርሒታትን ከምቲ ልሙድ ብሓድነት መኪትና ዓቢዪ ግድብ ህዳሰና ኣብ ፍፃመ ክነብፀሖ ይግባእ ኢሉ።

“ኢትዮጵያውያን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብሓድነት ጠጠው ክንብል ይግባእ” ዝበለ እቲ ባይቶ፥ “ብሓድነት ጠጠው ምባል ጉዳይ መረፃ ዘይኮነስ ግቡእ ኢዩ፤ ጉዳይ ህልውናን ሉኣላውነትን ኢዩ” ክብል እውን ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.