Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትጵያ ተፈጥሮኣዊ ዋሕዚ ኣባይ ከምዘይቕይር ኣምባሳደር ኣለማየሁ ተገኑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትጵያ ተፈጥሮኣዊ ዋሕዚ ኣባይ ከምዘይቕይርን ህንፀቱ ከምዘይቋረፅን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ኣለማየሁ ተገኑ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ሩሲያ መዓልታዊ ምስ ዝሕተም ጋዜጣ ኮምሶሞለስካያ ፕራቫድ ፃንሒት ገይሮም።

ኣብ ፃንሒቶም ድማ ምስ ግድብ ዳሰ ተተሓሒዙ ብፍላይ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሃቡዎ ርኢቶ ዝምልከቱ ዛዕባታት ኣልዒሎም።

ሩባ ኣባይ ምስ ምህናፅ መፈልፈሊ ሓይሊ ተተሓሒዙ ተፈጥሮኣዊ ዋሕዙ ከምዘይቕይር ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዋሸንግተን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ስምምዕነት ኣይገበረትን ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣካል እቲ ዘተ ኣብ ዘይኮነ ነጥቢ ንኽትፍርም ፃውዒት ቀሪቡላ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ኢትዮጵያ ድሌታ ንኽትስእን ዝገብራ ፍትሓዊ ዘይኮነ ስምምዕነት ከምዘይትቕበል እውን ኣገንዚቦም።

ኣምባሳደር ኣለማየሁ፥ ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሩሲያን ካልኦት ዛዕባታትን ኣብ ዝምልከትን እውን ነቲ ጋዜጣ ሓሳቦም ሂቦም።

ን15 ዝኾኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ሩሲያ ኣብ ዝሃቡዎ ተመሳሳሊ መግለፂ፥ ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዞም ካብ ዘልዐሉዎም ሓሳባት ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዘሎ ለውጢ ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ብዛዕባ ፖሊሲ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ፣ ምስ ሩሲያ ዘለዋ ርክብ፣ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚታት፣ ኣማራፂ ኢንቨስትመንትን ብዛዕባ መስሕባት ቱሪዝምን ዝምልከት እውን ነቶም ጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦምዎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.