Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት መስመራት መተሓላለፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዓውደ ውግእ ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ከይረክብ ይገብር ኣሎ – ትዴፓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት መስመራት መተሓላለፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዓውደ ውግእ ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ከይረክብ እናገበረ ከምዝርከብ ውድብ ዴሞክራሲ ትግራይ (ትዴፓ) ገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብቓላት ክግለፅ ኣብ ዘይኽእል ጭቆና ከምዝርከብ እውን እቲ ፓርቲ ገሊፁ፡፡

እቲ ውድብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ።

ዋና ፀሓፊ እቲ ውድብ ኣይተ ገደና መድህን፥ “ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 47 ዓመታት ንህዝቢ ትግራይ ኣዚዩ ፈታኒ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ቁሳዊን ፀገማት ንኽገጥሙዎ ብምግባር ዋና ተሓታቲ ኢዩ” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ናብ ዘይተደለየ ኲናት ክትኣቱ ብምግባር እውን ካብ ህዝቢ ትግራይ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ጉድኣት ምብፅሑ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትሕቲ እቲ ግብረ ራዕዲ ብቓላት ዘይግለፅ ጭቆና ከምዝርከብ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ ትዴፓ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጭቆና ህወሓት ናፃ ንምውፃእ ኣብ ዝገብሮ ፖለቲካዊ ቃልሲ መላእ ኢትዮጵያውያን ናይ ባዕሎም ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ህወሓት መስመራት መተሓላለፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዓውደ ውግእ ብምግባር ሓገዝ ፅዒነን ናብቲ ክልል ዝኣትዋ ተሸከርከርቲን ንኲናት ብምጥቃም ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይረክብ እናገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ብምኽንያት እዚ ህዝቢ ትግራይ ንዝኸፍአ ፀገም ተቓሊዑ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ መንግስቲ ፌዴሪኢ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽረክብ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ካብ መከራን ስቓይን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናፃ ወፂኡ ሰላምን ልምዓትን ክሳብ ዘረጋግፅ ዝገብሮ ሰላማዊ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ትዴፓ ምርግጋፁ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.