Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ስልጣን ድሕሪ ምስኣኑ ” መምርሒ ሓይሊ ፀፅታ” ዝብል ዓውዲ ወዲቡ ንግብረ ራዕዲ እንትንቀሳቐስ ፀኒሑ እዩ- ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራት (ህወሓት) ኣብ ማዕኸላዊ መንግስቲ ዝነበሮ ስልጣን ድሕሪ ምስኣኑ ናብ ትግራይ ብምኻድ ካብ 2011 ዓ ም ጀሚሩ ” መምርሒ ሓይሊ ፀፅታ” ዝብል ዓውዲ ወዲቡ ንግብረ ራዕዲ እንትንቀሳቐስ ፀኒሑ ኢዩ ክብል ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ገሊፁ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ‘ህወሓትን ሽኔን’ ሽብርተኛ ዘበሎም  ምኽንያትን ኣብ አክሱም ከተማ ብዛዕባ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

ነቲ መግለፂ  ዝሃቡ ሰጡት ምክትል ላዕለዋይ ዐቃቤ ሕጊ ፍቃዱ ጸጋ፥ ክልቲኦም ድርጅታት ሽብርተኛ ዘበሎም  ምኽንያትን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

“ክልቲኦም ድርጅታት ሽብርተኛ ዘበሎም  ምኽንያት ሰላማዊ ህዝቢ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል፣ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ንምጥንኻርን ተሓባበርቲ ንምቁፅፃርን ንክሕግዝ ኢዩ” ኢሉ።

እቶም ድርጅታት ብመሠረት ሕጊ ሽብርተኝነት፥ ሽብር ዕላማ ብምግባር ዝንቀሳቀሱ ብምዃኖም፣ ተግባሮም መግለፂ ሽብር ብምዃኑን ዉሳነ ወሃብቲ ኣካላት እቶም ድርጅታት ሽብርተኝነት ብምቕባሎም ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራት (ህወሓት) ኣብ ማዕኸላዊ መንግስቲ ዝነበሮ ስልጣን ድሕሪ ምስኣኑ ናብ ትግራይ ብምኻድ ካብ 2011 ዓ ም ጀሚሩ ” መምርሒ ሓይሊ ፀፅታ” ዝብል ዓውዲ ወዲቡ ንግብረ ራዕዲ እንትንቀሳቐስ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.