Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ቶጎ ጫሌ ብዝዘርገሖ ዘይሕጋዊ ኔት ዎርክ ዝውውር ገንዘብ እንትጥቀመሎም ዝነበረ ሰነዳትን ገንዘብን ምስ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣  27 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ቶጎ ጫሌ ብዝዘርገሖ ዘይሕጋዊ ኔት ዎርክ ዝውውር ገንዘብ እንትጥቀመሎም ዝነበረ ሰነዳትን ገንዘብን ምስ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዶላር ካብ ኣዲስ ኣበባ ብፀሊም ዕዳጋ እናተኣከበ መነግስቲ ንክዳኸም እንትሰርሑ ዝተበፅሐሎም ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ቅድም ኢሉ ብዝሰርሖ ኔት ዎርክ ብትካላት ንግዲ ዝእከቡ ዶላራት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ንክወፅእ ብምግባር ነቲ ጉጅለ ራዕዲ ቀንዲ ፍልፍል ፋይናንስ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምስቲ ገበን ብቐጥታ ምትእስሳር ገይሮም ኢዮም ዝተብሃሉ 6 ዓለም ለኸ ትካላት መተሓላለፍቲ ገንዘብ፣ 11 ውልቀ ሰባት፣ ልዕሊ 14 ባንኪታት ዝተኸፈቱን 10 ሚሊየን 276 ሺሕን 496 ብር ምስ ዝሓዙ ልዕሊ 100 ቡካት ባንኪ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ምር መራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ጁንታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕጋዊ ሽፋን ብምግባር መንግስቲ ንክዳኸምን ካብ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ዓዲ ንዘእትዎም ናውቲታት ሕፅረት ዶላር ንከጋጥም ከምኡውን ምንሃር ናብራ ብምብእኣስ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንክለዓል ንምግባር ዝፈተነ ከምዝኾነ በፂሐዮ ኣለኹ ኢሉ።

እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ደገፍቶም ገንዘብ  ብምእካብ ንመግዝኢ መሳርሒ ኲናትን ንደቂ ሰበስልጣን ንትምህርቲ ወፃኢ የውዕልዎ ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ሃገር ልዑል ፅዕንቶ ብምፍጣር ናህሪ ናብራ ንክበኣኣስ ምግባሮም እውን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.